BRIEF INTRODUCTION ABOUT BRHAN HAKI:

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ብርሃን ሓቂ:

 

A) What is the purpose of this website?

The website is created to provide an accessible platform for truth-seeking people to learn the bible and the light of knowledge contained in it. The purpose of our ministry is to produce sound believers and servants for Christ. With this in mind, we are seeking to convey the spiritual obligation that we have through the internet and social media, in order to reach as many listeners and doers.

ሀ) ንምንታይ ነዛ ወብሳይት ምድላው ኣድለየ? 

ኣገልግሎትና፡ እቶም ደለይቲ ሓቂ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ብርሃን ፍልጠት፡ ብቐሊሉ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ መገዲ ብምፍጣር፡ ጥዑያት ኣመንትን ኣገልገልቲ ክርስቶስን ኣብ ምፍራይ ዘተኰረ ኣገልግሎት እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣብ’ዚ ሰብ ብቐሊሉ ብማስ መድያ ኪብጻሕ ኣብ ዝከኣለሉ ዘመን፡ ብመገዲ ኢንተርነት፡ ነቲ ዘሎና መንፈሳዊ ሕድሪ፡ ናብ ሰማዕቱን ተግበርቱን በዚ መገዲ እዚ ኪበጽሕ ምእንቲ ኪከኣል እዩ።

B) Our Mission:

It is our understanding that the Church, in particular, the Tigrigna Church, in its current form has not been at the required biblical standard in its spiritual management and at the level of ministry. Therefore, our mission is to, through the light of the Word of God, restore and reform the Church inside the Country and abroad, into a Church that passes the biblical yardstick, a Church that is formed by soundly equipped ministers and faithful followers, a Church that is exemplary and a doer.

ለ) ዕላማና! 

እዛ ሕጂ ዘላ ቤተ-ክርስትያን፡ ብፍላይ ከኣ እዛ ብቛንቛ ትግርኛ እትግልገል ማሕበር፡ ኣብ መንፈሳዊ ኣተሓሕዛኣን ኣብ ጽፍሒ ኣገልግሎትን ከምቲ ዝድለ ስለ ዘይኰነት፡ ብቓል ኣምላኽ ተለኪዓ ዝሓለፈት፡ ብዝተዓጥቁ ጥዑያት ኣገልገልትን እሙናት ሰዓብትን ዝቖመት፡ ኣብነታዊት ግብራዊት ማሕበር ኣምላኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ወጻእን ብብርሃን ቓል ኣምላኽ ምሕዳስን ምቕናዕን ዝዓለመ እዩ።

C) Our Vision:

  • For every believer, through counseling and teaching, to grow into maturity.
  • Through prayer and the authority of His Word and in the
  • Name of Christ, to deliver the ill and the confined*
  • To produce sound and equipped, informed and faithfulministers
  • To prepare for God, adequate spiritual citizens who please God

ሐ) ራእይና፡ 

  • ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርስቶስ፡ ብምምዓድን ብምምሃርን ናብ እኹል ሰብ ኪበጽሕ ምጽዓር፡
  • ብጸሎትን ብስልጣን ቃልን ስምን ክርስቶስ፡ ንሕሙማት ንእሱራት ዘናግፉሉ ዕጥቂ ኪፈልጥ ምግባር፡
  • ጥዑያት፡ ምሁራት/ዕጡቓት፡ ሰብ ሕድሪ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽን ህዝብን ምፍራይ፡
  • ንኣምላኽ ባህ ዘብሉ፡ ብቑዓት፡ መንፈሳውያን ዜጋታት፡ ንኣምላኽ ምድላው፡

D) Contents of our Teachings:

  • Focusing on Christ and the Gospel of Grace
  • Focusing on victorious spiritual life, ministering people by faith
  • Focusing on the Church of Christ and the calling of its ministers*
  • Focusing on the single youth, and the married

መ) ትሕዝቶ ትምህርትና፡

  • ኣብ ክርስቶስን ኣብ ወንጌል ጸጋን ዘተኰረ፡
  • ኣብ ዕዉት መንፈሳዊ ህይወትን፡ ኣገልግሎት ብእምነትን ዘተኰረ፡
  • ኣብ ማሕበር ኣምላኽን ኣገልገልታን ጽውዓን ዘተኰረ፡
  • ኣብ መንእሰያትን ሰብ ሓዳርን ዘተኰረ፡

E) Methods:

  • Through visiting places, preparing educational seminars
  • Through The Television, Radio, Paltalk, Literature, YouTube, and the Website
  • Through the periodic magazine (Reformation and Restoration), the bi-weekly news-letter, and preparing books
  • Through inviting ministers for training

ሰ) ስነ ኣገባብ፡ 

  • ኣብ ከከተማኡ ብምዝውዋር፡ ዓመታዊ ትምህርታዊ ሰሚናራት ብምድላው፡
  • ብተለቪዥን፡ ብራድዮ፡ ብፓልቶክ፡ ብስነ-ጽሑፍ፡ ብዩትዩብ፡ ብወብሳይት ብምዝርጋሕ፡
  • ብስለ-ጽሑፍ፡ ማለት፡ ወቕታዊ-መጽሐት፡ መጻሕፍቲ፡ ብምድላው፡
  • ኣገልገልቲ ዓዲምካ ብምስልጣን፡